[Unicode]   ዩኒኮድ እንታይ ኢዩ? Home | Site Map | Search
 

ዩኒኮድ እንታይ ኢዩ?

ዩኒኮድ ንሓደሓደ ፊደል፣
ንዝኾነ ዓይነት ኮምፒዩተር እንተኾነ፣
ንዝኾነ ዓይነት ፕሮግራም እንተኾነ፣
ንዝኾነ ዓይነት ቋንቋ እንተኾነ፣
ፍሉይ ዝኾነ ቁጽሪ የዳሉ እዩ።

ካብ መሰረቲኡ ኮምፒዩተራት ዝሰርሑ ምስ ቁጽሪታት እዮም። ነንሓደ ፊደል ቁጽሪታት ብምምዝጋብ ፊደላትን ካልኦት ኣሃዛትን ይምድቡ። ዩኒኮድ ቅድሚ ምምሃዙ ነዞም ቁጽሪታት ንምጽዋዕ ብሚእቲ ዝቁጸሩ ዝተፈላለዩ ናይ ኣሰያይማ ዘዴታት ነይሮም። እዚ ማለትውን ሓደ ዝትወሰነ ኣሰያይማ ንምፍታሕ ብዙሓት ኣሃዛት ዝወሰኸ ኣይነበረን። ንኣብነት ዝተሓባባሩ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት እኳ እንተንወስድ ከሎም ቋንቋታት ንምሽፋን ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ኣፈታትሓ ዘዴታት የድሊ ነይሩ። ንእንግሊዘኛ ቋንቋ እኳ ሓደ ንጥርሑ ናይ ኣፈታትሓ ዘዴ ንኹሎም ፊደላት ስራዓተ ነጥበታትን ምልክታትን ብሓባር ንምጥቃም ብቁዕ ኣይነበረን።

እዚኦም ናይ ኣፈታትሓ ዘዴታት ነንሕድሕዶም ዝቃረኑሉ ጊዜ ኣሎ። እዚውን ዝኾነሉ ክልተ ናይ ኣፈታትሓ ዘደታት ዝተፈላለዩ ፊደላት ሓደ ዓይነት ቁጽሪ ብዝጥቀመሉ ጊዜ ወይ ዲማ ዝተፈላልዩ ቁጽሪታት ንሓደ ፊደል ዝጥቀመሉ ጊዜ ኢዩ። ኩሎም ኮምፒዩተራት ብፍላይ ዘስተናግዱ ዝተፈላለዩን ብዙሕ ናይ ኣፈታትሓ ዘዴታት ምድጋፍ የድልዮም ኢዩ። ግን ብዝተፈላለዩ ናይ ኣፈታትሓ ዘዴታት ወይም ኮምፒዩተራት ማእከል መረዳእታ ብዝተሓላለፈሉ ጊዜ ኩሉ ናይ ምትሕውዋስ ክበጽሕ ይክእል ኢዩ።

ዩኒኮድ ነዚ ኩሉ ለዊጡዎ ኢዩ

ዩኒኮድ ንዝኾን ዓይነት ኮምፒዩተርን ንዝኾን ዓይነት ፕሮግራምን ንዝኾን ዓይነት ቋንቋን ንሓደ ፊደል ዘድሊ ፍሉይ ቁጽሪ ዝኾነ የቅርብ ኢዩ። ንናይ ዩኒኮድ ኣሰራርሓ ዘዴ ብሕጂ ጊዜ ብዝተፈለጡ ዓበይቲ መራሒ ኢንዱስትሪታት ከም Apple, HP, IBM, Just System, Microsoft, Oracle, SAP SUN, Sybase, Unisisን ብኻልኦትን ኣብ ጥቕሚ እንዳዋዓለ ኢዩ። ዩኒኮድ ከም XML, Java, ECMAScript (JavaScript), LDPA, CORBA 3.0, WML, ወዘተ ብዝበሉ ብእዋኑ ደረጀኦም ብዝሕልው ኣድላዩነት ዘለዎ ክኸውን ISO/IEC ን10646 ብሕጋዊ መልክዑ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ኢዩ። ዩኒኮድ ብብዙሓት ናይ ኮምፒዩተር መምርሒ ፕሮግራማት ማንም ሓደስቲ ናይ ድረ ገጽ መመልከቲ ፕሮግራማትን ከምኡውን ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝድግፍዎ ኢዩ። ዩኒኮድ ብዘተፈላለዩ ናይ ኣሰራርሓ ዘዴታት ተወሳኺ ፕሮግራማትን ድረ ገጻትን ብኻልኣት ፍርያታትን ዝተደገፈ ኢዩ። ናይ ዩኒኮድ ስታንዳርድ ቅልቅል ምባሉን ንዑኡ ደገፍ ዝህቡን መሳርሒታት ምቕራቦት ብዘበኑ ካብ ዝተፈጥሩ ዓለም ኣቀፍዊ ናይ ሶፍትዌር ናይ ቴክኖሎጂ ምርካብ ዋርታት ኢዮም።

ዩኒኮድ ብኔትወርክ ብዝሰርሑ ኮምፒዩተራትን ድረ ገጻትን ብሓባር ብምድላው ብዛዕባ ዋጋ ዓቢይ ናይ ክፍሊት ምቕናስ ይህብ። ንሓዳ ናይ ሶፍትዌር ፍርያት ወይ ንሓደ ድረ ገጽ ንተግባር ብዙሕ ኮምፒዩተራት ቋንቋታትን በሃገራትን ከምሓድሽ ምስትኽኻል ከየድለይ ኣብ ግብሪ ምውዓል ይከኣል ኢዮ። እቶም መረዳእታታትውን ጉድለት ከየጋጠሞም ብዝተፈላለየ ናይ ኣሰራርሓ ዘዴታት ንኸመሓላለፍ ይገብር።

ናይ ዩኒኮድ መጋባኣያ

ናይ ዩኒኮድ መጋባኣያ ናይ መኽሰብ ድርጅት ዘይኮነስ ዝተመስረተሉ ንናይ ዩኒኮድ ደረጃ ንምዕባይ ንምስፍሕፋሕን ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ንምግባር ኢዩ። ዩኒኮድ ንናይ ጽሑፍ ኣቀራርባ ብእዋኑ ብዘሎ ሶፍትዌር ፍርያትን ደረጃን ይሕግግ። ናይቲ ጉባዔ ኣባልነት ስፍሕ ዝበለ ናይ ኮምፒዩተርን ምስ ኮምፒዩተር ተሓባቢሮም ዝኸዱ ግብሪታትን ዝሸፍን ዓበይቲ ትካላትን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ማዕከል ዝደገፍ ካብቶም ኣባላት ብዝዋጽእ እቶት ጥራሕ ኢዩ። ናይ ዩኒኮድ ናይ ጉባኤ ማሕበርተኛ ንምዃን ንዝደልዩ ትካላትን ውልቅ ሰባትን ከምኡውን ኣብዓለም ዙሪያ ንዘለው ንናይ ዩኒኮድ ስታንዳርድ /ደረጃ/ ንዝድግፉን ብዕብየቱን በሰራርሕኡን ንምርዳእ ንዝደልዩ እቲ ማዕጾ ክፋት ኢዩ።

ንተወሳኺ መረድኢ ነቲ መውጽኢብዮኒኮድ ዝተሓገዙ ፍርያትን ቴክኒካል መእተዊን ጠቕሚ እቶትን ይርኣዩ

 

Tigrigna translation by The Ge'ez Frontier Foundation